fbpx
top

ሓበሬታ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ

ዑቕባ ምሕታት ማለት ናይ ህይወት ውሕስነት ንምርካብ ሕቶ ምቕራብ ማለት እዩ።
ኣብዚ ሓጺር ጽሑፋዊ መግለጺ እዚ አብ ኖርወይ ዑቕባ ምስ ሓተትካ እንታይ ከም
ዘጋጥም ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

እዚ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ እዚ ብኖርዌጃዊ ማሕበር ንሓተቲ ዑቕባ (ኑኣስ/NOAS) እዩ ተዳልዩ። NOAS
ናጻን ዘይመንግስታዊን ማሕበር ኮይኑ ንመሰላት ሓተቲ ዑቕባ አብ ኖርወይ ይጣበቅ። NOAS
ንሓተቲ ዑቕባ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ መስርሕ አብ ኖርወይ ሓበሬታን ምኽርን ይህብ።

ናይ NOAS ሰራሕተኛታት ምስጢር ናይ ምዕቓብ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ማለት ክኣ ብዘይ ናትካ
ፍቓድ እቲ ንስኻ ንዓና ትነግረና ነገር ንሕና ኣሕሊፍና ንኻልኦት ዋላውን ንአካላት መንግስቲ ኖርወይ
ክንነገር ኣይንኽእልን ኢና።

ዑቕባ ማለት ናይ ህይወት ውሕስነት ምርካብ ማለት እዩ፡ እንተደኣ ንዓድኻ ተመሊስካ ሂወትካ
ኣብ ሓደጋ ክትወድቅ ትኽእል ኢያ ዘብል ዘእምን መኽንያት እንተሎ፣ ኣብ ኖርወይ ናይ ህይወት
ዉሕስነትን መንበሪ ፍቓድን ክትረክብ መሰል አለካ። መን እዩ ናይ ውሕስነት መሰል ዝግበኦ
አህጉራውን ኖርወጃውን ሕጊ እዩ ዝውስኖ።

እንተዳኣ ናይ ሃገርካ መንግስቲ ውሕስነት ክህበካ ዝኽእል ኮይኑ ወይ ካኣ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ
ክትነብረሉ እትኽእል ውሑስ ከባቢ እንተሎ: ከም ልሙድ ኣብ ኖርወይ ናይ ውሕስነት መሰል
የብልካን::

ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን/ጉዳይ ወጻእተኛታት (UDI)ሓደ ኣካል ናይ መንግስቲ ኖርወይ እዩ፡ ፡ UDI
ናይ ውሕስነትን አብ ኖርወይ ከም ስደተኛ ናይ ምንባር መሰልን እንተለካ ይግምግምን ይውስንን።
እዚ ኻኣ ናይ ዑቕባ መስርሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ፡

ናይ ዑቕባ መሰል ዘይግባኣካ እንተ ኾይኑ UDI ብሰንኪ ሰብኣዊ ርህራሄ መንበሪ ፍቃድ ናይ
ምውሳድ ተኽእሎ ይግምግም። ከቢድ ናይ ሕማም ጸገም ዘለዎን ኣብ ዓዱ ሕክምና ክረክብ
ዘይክእል ስብ፤ ወይዉን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ወይከኣ ካልኦት ተኣፈፍቲ ሰባት
አብ ዝተወሰነ ኩነት ብሰብኣዊ ርህራሄ መሰረት መንበሪ ፍቓድ ክዋሃቦም ይኽእል እዩ። ከም ልምዲ
መንበሪ ፍቓድ ብሰንኪ ሰብኣዊ ርህራሄ ንምርካብ ናይ ዓድኻ ፓስፖርት ክህልወካ ኣለዎ።
ዑቕባ

ዑቕባ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ዝዋሃብ ፍሉይ መንበሪ ፍቓድ እዩ፤

• ብቡቑዕ ምኽንያት ዝተደገፈ ናይ ህይወት ሓደጋ ስግኣት ንዘጋጠሞ – ብሰንኪ ቐቢላ፤ መበቖል፤
ሕብሪ ቆርበት፣ ዘርኢ፣ ሃይማኖት፤ ዜግነት፤ ኣባልነት አብ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ፣ ወይ ካኣ
ብሰንኪ ናይ ፖለቲካኣራኣእያ፤ ወይ
• ዓዱ እንተደአ ተመሊሱ ናይ ሞት መቅጻዕቲ፣ ስቓይ ወይ ካልእ ዘይሰብኣዊ ወይ ክብርኻ ዝትንክፍ
አተሓሕዛ ውይ መቕጻዕቲ ከጋጥሞ እንተኾይኑ።

ኩሎም ዑቕባ ሓተቲ ኣይኮኑን ጉዳዮም ኣብ ኖርወይ ዝራኣየሎም። ኖርወይ ናይ ዑቕባ ጉዳያት
ምርኣይ ብዝምልከት ምስ ካሎኦት ሃገራት ኤውሮፓ ትተሓባበር። እዚ ድማ ናይ ዱብሊን(Dublin)
ምትሕግጋዝ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኖርወይ፤ ኢስላንድ፤ ሊችተንስተይን ከም ኡውን ኩለን ኣባላት ኤሮፓዊ ሕብረት (EU) ኣብ ናይ
ዱብሊን ምትሕግጋዝ ይሳተፋ፡ ፡

ሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ካልእ ኣባላ ዱብሊን ምትሕግጋዝ ዝኾነት ሃገር ክረኤ ይኽእል እዩ፣ እንተ ደኣ አብታ
ሃገር:
• ቐረባ ቤተሰብ: – ሰበይትኻ፤ ቖልዓ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ
• ቪዛ ወይካኣ መንበሪ ፍቓድ እንተልዩካ
• ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ኣትኻ ወይ ካኣ ብዘይ ፍቓድ ን 5 ወርሒ ኣብታ ዓዲ ጸኒሕካ
• ወይ ከኣ ኣብ እታ ዓዲ ዑቕባ ሓቲትካ እንተነርካ

ብዛዕባ ዱብሊን ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ካብ NOAS ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ብዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ብኣኻ እዩ ክቐርብ ዘለዎ። ምንግስቲ ኖርወይ
ጉዳይ ዑቕባኻ ንኽግምግም እቲ ኣገድስቲ ሓበሬታታት ናይ ምሃብ ናትካ ሓላፍነት’ዩ፡ ፡

ኣብ ናይ መስርሕ ዑቕባ ብመጀመርያ እትረኽቦም ፖሊስ እዮም፡ ፡ ፖሊስ ብዛዕባኻ አገደስቲ
ሓብሬታትት ድሕሪ ምምዝጋብ ናብ UDI ይሰድዎ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ፖሊስ ኣብ ክንዲ
UDI ኮይኑ ስፍሕ ዝበለ ቓለ መሕትት ይገብር እዮ። እዚ ናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ናይ ፖሊስ ቓለ መሕተት እታ እንኮ ቓለ መሕተት አብ ጉዳይካ እንተዳኣ ኮይና ብዛዕባኡ ንጹር
ሓበሬታ ክዋሃበካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቓለ መሕተት ብUDI እዩ ዝግበር። ንናይ ዑቕባ ቓለ
መሕተትንምድላው ምስ NOAS ክትዘራረብ ከለኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ፡

ናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት ብዛዕባ ነብስኻን አብ ኖርወይ ዑቕባ መሕተቲኻ መኽንያትን እትገልጸሉ
ኣገዳሲ ዝኾነ ዕድል እዩ። እቲ ኣብ ናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት እትህቦ ሓበሬታ፣ ንUDI እቲ ኣገዳሲ
ሓበሬታ ኣብ ምግምጋም ጉዳይ ዑቕባኻ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ’ዩ ኻአ ንናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት
ኣቐዲምካ ጽቡቕ ምድላው ክትገብረሉ አዚዩ ኣገዳሲ ዝኹውን።

UDI ዘካይዶ ናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት ብድምጺ ይቕዳሕ እዩ።ብተወሳኺ ውን UDI ጽሑፋዊ
ጸብጻብ ናይ ቓለ መሕተት የዳሉ፣ ክወሃበካ ውን ክትሓትት ትኽእል።

ሓቒ ናይ ምዝራብ ግዴታ ኣለካ። ብዛዕባኻ ይኹን ዓድኻ እንተተመሊስካ ስለምንታይ’ዩ ሓደገኛ
ክኹውን ዝኽእል ዝብል ሓበሬታ ክትሓብእ ወይ ካብ ምዝራብ ክትቑጥብ ይብልካን። እንተዳኣ ኮነ
ኢልካ ዘይቑኑዕ ሓበሬታ ሂብካ ናይ ምንጻግ ከምኡውን ናይ ምስጓግ ዕድል ከጋጥመካ ይኽእል::

ድሕሪ ቓለ መሕተት ምግባርካ ብዛዕባ ጉዳይካ ኣገዳሲ ሓድሽ ሓበሬታ እንተደኣ ረኺብካ ወይ ካኣ
ኣብ ግዜ ቓለ መሕተት ዝረሳዕካዮ ኣገዳሲ ሓበሬታ እንተልዩካ ቐልጢፍካ ንUDI ክትሕብር ይግባእ፡ ፡

ኩሉ ሰብ ኣይኮኑን አብ ጉዳይ ዑቕብኡ ሰነዳት ከቕርብ ዝኽእል። እንተዳኣ ተኽእሎ ኣሎ ግን
መንነትካ መረጋገጺ ሰነዳት ኣብ ግዜ ናይ ፖሊስ ምዝገባ ወይ ካኣ ኣብ ከባቢኻ ንዝርከብ
መደበር ፖሊስ ክተረክብ ግዴታ ኣለካ። ቕዳሕን መረጋገጽን ናይ ዘረከብካዮ ሰነዳት ክዋሃበካ
ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እንተዳኣ ፓስፖርት ይኹን ካልእ ናይ መንነት መረጋገጺ ሰነዳት
ምሳኻ ዘየሎ ናብ ኖርወይ ክስደደልካ ክትጽዕር ፈትን። ካብ ናይ ሃገርካ መንግስቲ ዘፍርህ ነገር
እንተዘይብልካ ሰበስልጣን ኖርወይ ብመንገዲ ኤምባሲ ሃገርካ አቢልካ ናይ መንነት ስነዳት
ክተምጽእ ክሓቱኻ ይኽእሉ እዬም።

ከሙኡውን ኣገዳሲ ሓበሬታታት ወይ ካኣ ቕዳሕ ናይ ሰነዳትካ ናብ UDI ክትሰድድ ትኽእል
ኢኻ። እንታይ ዓይነት ሰነዳት ከምዝኾነ ብቋንቃ ኖርወይ ወይ ከኣ ብእንግልዝኛ ሕጽር ዝበለ
መብረሂ ጸሓፍ። UDI ነቲ አብ ምግምጋም ጉዳይካ ኣገዳሲ ዝኾነ የተርግሞ እዩ። ኣብቲ
እትልእኮ ደብዳቤን ሰነዳትን ሽምካን ቅጽሪ DUFን ጽሓፈሉ።

• ብዛዕባ ነብስኻ ብግልጺ ካብ ምዝራብ ክትፈርሕ የብልካን። እቶም ንጉዳይካ ዝርእዩ ከምኡውን
እቶም ተርጎምትን ሚስጥር ናይ ምዕቓብ ሓላፍነት ኣለዎም።
• እንታይ ከም ዘጋጠመካን ካብ ሃገርካ ንኽትስደድ ዘገደደካ ምኽንያትን ብዝተኻእለካ መጠን
ግለጽ። ብዝርዝር ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ፡
• ናብ ዓድኻ እንተተመሊስካ ሂዎተካ አብ ሓደጋ ክትወድቅ ትኽእል እያ ዘብለካ ፍሉይ መኽንያት
እንተሎ ግለጽ።
• ሓቒ ተዛረብ፣ እስኻ ብአካል ዘሕለፍካዮን እትዝክሮ ኩነታትን ግለጽ። እንተዳኣ ብፍላጥ ዘይቑኑዕ
ሓበሬታ ሂብካ ሳዕቤናቱ ምንጻግን ካብ ሃገር ምስጓግን ክኸውን ይኽእል።
• ብዛዕባኻን ንምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻን ዝገልጽ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክትሓብእ ወይ
ካብ መዝራብ ክትቁጥብ የብልካን።
• ንኽትዛረበሉ የጸግም እዩ እትብሎ ፍሉይ ነገር እንተሎ ክትሕብር ኣለካ። ብዝተኻእለካ መጠን
ብዛዕባ እቲ ዘጋጥመካ ዋላ ዉን ንምግላጹ ኣሸጋሪእንተኾነ ክትነግር አለካ።
• ዝኣክል ግዜ ወሲድካ ንዝቐርበልካ ሕቶታት ብዝካአለካ መጥን መለሶም።
• ሓደ ሓደ እዋን ነገራት ንምዝካር ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተዳኣ
ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ወይ ዘይትዝክሮ ነገር ሕቶ ቐሪቡልካ፣ አይፈልጦን’የ ወይ ኣይዝከሮን’የ
ምባል ጸገም የብሉን።
• ንጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ዝምልከት ወይ ካኣ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኻ ዝምልከት ሰነዳት እንተለካ
ናብ ቓለ መሕተት ሒዝካዩ ቕረብ።
• ኣብቲ እዋን ቓለ መሕተት ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስትይቲ ተርጓማይን ሓታቲን ትደሊ ወይ
ትደልዪ ኮንካ/ኪ ኣቐዲምካ/ኪ ክትሕብር/ሪ ይግባኣ።
• እንተዳኣ ተርጓማይ ዝብሎ ዘይርዳኣካ ኮይኑ ወይ ከኣ እቲ እስኻ እትብሎ ንተርጓማይ ኣይርደኦን
ኣሎ ኢልካ ትሓስብ ኮንካ ብዘይ ፍርሂ ክትሕብር ኣለካ፡ ፡

መንነት
ፖሊስ ኮነ UDI ንስኻ መን ምዃንካን ካበይ ከምዝመጻእካን ዝገልጽ ቑኑዕ ሓበሬታ ክህልዎም
አልዎ። ስለዚ መንነትካ ናይ ምብራህ ኩሉ ዝከአለካ ናይ ምግባር ግዴታ ኣለካ። ብዛዕባ መንነትካ
ጥርጣረ እንተሎ ወይ ካኣ ኮነ ኢልካ ዘይቑኑዕ ሓበሬታ ሂብካ ኣብ ኖርወይ ዘይሙሉእ መሰላት
ክዋሃበካ ይኽእል፡ ፡ ከምኡውን ሳዕቤናቱ ናይ ምንጻግን ካብ ሃገር ምጥራዝን ኸውን ይኽእል::

እትትቅመሎም ናይ ማሕብራዊ መራኸቢታትን ክፍትሽዎ ይኽእሉ እዮም። ከምኡውን ካበይ ክም
ዝመጻእካ ዝሃብካዮ ሓበሬታታት ንምርግጋጽ ናይ ድምጺ መርመራ ክገብሩልካ ይኽእሉ።

ቤተሰብ
መንነትካ ኣብ ምርግጋጽ ወይ ካኣ ጉዳይካ ብመሰረት ናይ ዱብንሊ መምረሒ ክረኣ እንተዳኣ ኾይኑ
ብዛዕባ ስድራቤትካ እትህቦ ሓበሬታ አገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክምኡ ውን መንበሪ ፍቓድ
እንተረኺብካን አብ መጻኢ ቤተሰብካ ናይ ምብጻሕ ዑደት ፍቃድ ክትሓተሎምን ወይ ኣብ ኖርወይ
ምሳኻ ንኽቕመጡ እንተዳኣ ከተመልክት ደሊኻ እቲ ብዛዕባ ስድራቤትካ እትህቦ ሓበሬታ አገዳሲ
እዩ።

ብዛዕባ ናትካ ኩነታት
UDI ንኹሉ ጉዳያት ውልቃዊ ግምግም ይገብር። አብ ናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት ነዓኻ ብፍሉይ
ንሂዎትካ አብ ሓደጋ ክውድቓ ዝኽእል ነገር እንተሎ ክትገልጽ ኣለካ። ብዛዕባ ነብስኻ ብግልጺ
ምዝራብ ክትፈርሕ የብልካን። እቶም ንጉዳይካ ዝርእዩ ምስጥር ናይ ምዕቓብ ሓላፍነት ኣለዎም፣
ንኻልእ አብ ጉዳይካ ዘይሰርሕ ስብ ናትካ ሓበሬታታት ክህቡ አይክሉን ዩም።

ብዛዕባ እቲ ዑቕባ ዘሕትተካ ምኽንያት
UDI ብዛዕባ ኩነታት ዓድኻ ብዝምልከት ብዙሕ አፍልጦ አለዎም። ንስኻ ኢኻ ንዓኻ እንታይ ክም
ዘጋጠምካን ስለምንታይ አብ ኖርወይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻን ትፈልጥ። ብዝተኻእለካ መጠን
ሃገርካ ገዲፍካ ክትስደድ ዝገበሩኻ ኩነታትን ንሃገርካ እንተተመለስካ ስለምንታይ ሓደገኛ እዩ ነዓይ
ኢልካ ትሓስብን ብደቂቅ ክትነግር አሎካ። ዝርዝራት አገደስቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ሓቒ ተዛረብ፣
ልክዕ እቲ ንስኻ ዘሕለፍካዮን ትዝክሮ ኩነታትን ግለጽ።

ናይ መጻኢ ስግአት
ናይ ዑቕባ መሰልካ ገምጋም ምስ ናይ መጻኢ ኩነታት እዩ ዝርኤ። ንዓድኻ እንተተመልስካ እንታይ
ከጋጥመካ ከምዝኽእል ንምግምጋም UDI ብዝተኻእለ መጠን ካባኻ ብዙሕ ሓበሬታ ይደልዩ፤ ስለዚ
አብ ዓድኻ ክጋጥመካ ዝኽእል ነዓኻ ዘፍርሓካ ብጭቡጥ ክትነግር አለካ።
እንተዳኣ አብ መጻኢ አብ ዓድኻ አብ ውሑስ ዝኾነ ከባቢ ክትቅመጥ ትኽእል ኴንካ ወይ ካኣ ካብ
ናይ ሃገርካ መንግስቲ ውሕስነት ክትረክብ ትኽእል ኮንካ ከም ንቡር ኣብ ኖርወይ ናይ ዑቕባ መሰል
አይወሃበካን እዩ።

ናይ ቖልዑ ኩነታትን አጠማምታን
እንትዳኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምሳኻ ኣለዉኻ ብዛዕበኦም እትህቦ ሓበሬታ አገዳሲ
ክኽውን ይኽእል እዩ። ምናልባሽ እቲ ቖልዓ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ዑቕባ መሰል ክህልዎ ይኽእል
ይኸውን። ብዛዕባ ኩነታት ቕልዓ ክትነግር አገዳሲ እዩ። UDI ኩሉ ግዜ ንቖልዑት እቲ ዝሓሸ እንታይዩ
ኢሎም ይግምግሙ ዮም።
ቖልዓ ኣብ ናይ ዑቕባ መስርሕ ተዛሪቡ ከስማዐ መሰል ኣለዎ። ምስ ወለዱም ብሓንሳብ ዑቕባ
ዝሓቱ ቖልዑ እንተድኣ ድልየት ሃልይዎ ምስ UDI ክዛራረቡ ይኽእሉ ዮም። ኣብቲ እዋን ዝርርብ
ኣደ ወይ ኣቦ ወይ ካኣ ካልእ ሞግዚት ምስኡ ኮፍ ክብል ክመርጽ ይኽእል እዩ፡ ፡ ኣብ እዋን ዝርርብ
ቕልዓ ውሕስነት ክስመዖ ኣገዳሲ እዩ ከማኡ ውን UDI ንምንታይ ምስኡ ክዛረብ ከምዝደሊን
ክርደኦ ኣለዎ። UDI እቲ ቖልዓ ኣብዚ እዋን ኩነታቱ ከመይ ከምዘሎ፤ እቲ ቖልዓ እንታይ ኩነታት
ከምዘሕለፍን ብዛዐባ ህሉው ኩነታቱን መጻኢኡን እንታይ ከምዝሓስብን ክፈልጡይደልዩ፡ ፡

ሓበሬታ ብዛዕባ ኩንታት ጥዕናን ካልእ ተኣፋፊ ኩነታትን
እንተዳኣ ናይ ጥዕና ጸገማት ሃልዩካ ወይ ካኣ ካልእ ፍሉይ ዘጋጠመካ ጸገማት ሃልዩ ብዛዕባኡ ሓበሬታ
ክትህብ ኣገዳሲ እዩ። ብርቱዕ ናይ ጥዕና ጸገማት እንተዳኣ ሃልዩካ ንUDI ክትሕብር ኣለካ ከም ኡዉን
ተተኻኢሉ ናይ ሓኪም መረጋግጺ ወረቕት ክትሰድድ ኣለካ። UDI ንኹሉ ንጉዳይ ዑቕባኻ ኣገዳስነት
ዘለዎ ሓበሬታታት እንኮላይ ጥዐናውን፣ ሰብኣውን፣ ማሕበራዊ ኩነታት ክግምግም እዩ።

ንክትዛረበሉ ዘጸግመካ ዘሕለፍካዮ ይኹን ካልእ ነርራት እንተሎ ክትሕብር ኣለካ። ብዝተኻእለካ
መጠን ወላኳ ከቢድ ተኾነ ክትገልጽ ክትክእል ኣለካ። ንጉዳይካ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል
እዩ።

መንግስቲ ኖርወይ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ብዛዕብ ኩነታት ጥዕናን ካልእ ሓበሬታታትን ኣብ ግምት
ይእትውዎ እዮም። ኣብ ግዜ ቓለ መሕትት ይኹን ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ኣድላይ ምትሕብባር
ይግበረልካ።

UDI ንጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ርእዮም ምስ ወድኡ ነቲ ውሳኔ ብጽሑፍ ናባኻ ወይ ናብ ጠበቓኻ
ይልእኽዎ። ትሕስቶ ዉሳኔ UDI ኣገዳሲሓበሬታ ኣለዎ። UDI ፣ ፖሊስ ወይ ካኣ ጠበቓ ብዛዕባ
ትሕዝቶ ናይቲ ዉሳኔ ክገልጹልካ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ጉዳይ ዑቕባኻ ክትረኽቦ እትኽእል ዝተፈላለይ መልስታት ኣብዚ ከተንብብ ትኽል፡

መንበሪ ፍቓድ ከም ስደተኛ
UDI እንተድኣ ሂዎትካ ኣብ ዓድኻ ኣብ ሓደጋ ክትወደቅ እያ ኢሎም ኣሚኖም መንበሪ ፍቓድ ከም
ስደተኛ ኣብ ኖርወይ ይወሃበካ። ንመንበሪ ፍቓድካ ዝስዐቡ መሰላትን ጉቡኣትን ዝመልከት ደብዳቤ
ይወሃበካ። መንበሪ ቦታ ይወሃበካን ናብ ናይ ኖርወይ ሕብረተሰብ ክትጽንበር ሓገዝ ይዋሃበካን።
እቲ ዝዋሃበካ ፍቓድ ጠለብ ብምቅራብ ይሕደስን ናብ ቐዋሚ መንበሪ ፈቓድ ክቅየረን ይኽእል።

መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ጽኑዕ ሰብኣዊ ርህራሄ
እንተዳኣ መሰል ዑቕባ ዘይግባኣካ ኮይኑ፤ ብመሰረት ጽኑዕ ሰባዊ ርህራሄ ወይ ካኣ ብመኽንያት
ፍሉይ ርክብ ምስ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል። እዚ ዓይነት ፍቓድ ኣብ ፍሉይ
ጉዳያት ጥራሕ እዩ ዝዋሃብን ከም ንቡር ድማ ፓስፖርት ናይ ዓድኻ ክህልወካ ኣለዎ። ከቢድ ናይ
ጥዕና ጽገም ዘለዎም፣ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ወይ ካኣ ምስ ኖርወይ ጥቡቕ ርክብ
ዘልዎም ሰባት ውን ኣብ ገለ ኩነታት ብመሰረት ጽኑዕ ሰብኣዊ ርህራሄ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ
ይኽእሉ። እቲ ዝዋሃበካ ፍቓድ ጠለብ ብምቅራብ ይሕደስን ናብ ቐዋሚ መንበሪ ፈቓድ ክቅየረን
ይካአል።

ዱሩት መንበሪ ፍቓድ
ኣብ ገለ ኩነታት UDI ደሩት መንበሪ ፍቓድ ክህብ ይኽእልዩ። ደሩት ማለት እቲ ዝዋሃበካ ፍቓድ
ንሓጺር እዋንን ካብ ካልእ ዓይነት ፍቓዳት ውሕድ መሰላት ዝህብን ክኸውን ይኽእል። እቲ
ፍቓድ ንምሕዳስ ይኹን ወይ ካኣ ገደብ ዘይብሉ መንበሪ ፍቓድ ንኽዋሃበካ ናይ ዓድኻ ፓስፖርት
ንኸተቕርብ ግዴታ ክኸውን ይኽል።

ምስጢር ናይ ምዕቓብ ግዴታ
ኩሎም ኣብ ጉዳይካ ዝሰርሑ ምስጢር ናይ ምዕቓብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት ካኣ ናትካ
ሓበሬታታት ንኻልኦት ኣብ ጉዳይካ ዘይሰርሑ ኣሕሊፎም ክህቡ ብሕጊ ኣይፍቐደሎምን እዩ።

UDI ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ብኻልእ ኣባል ዱብሊን ምትሕግጋዝ ዝኾነት ሃገር
ክረኣ ከምዘለዎ ይውስን
እንተዳኣ ካልእ ናይ ኤውሮፓ ሃገር ጉዳይካ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዋ ኮይኑ፤ UDI ጉድይካ ኣብ
ኖርወይ ንኸይረኤ ይውስን። ናብታ ጉዳይካ ክትርእዮ ሓላፍነት ዘለዋ ኤውሮፓዊት ሃገር ንኽትከይድ
ውሳኔ ይዋሃበካ። ፖሊስ ናብታ ሓላፍነት ዘለዋ ሃገር ንኽትከይድ ዘድሊ ምድላዋት ይገብረልካ።

ምንጻግ ሕቶ ዑቕባኻ ብUDI
እንተደኣ UDI ንሂወትካ ዘስግእ ነገር የልን ወይ ካኣ ካብ መንግስቲ ሃገርካ ውሕሰነት ክትረክብ
ትኽእል ኢኻ ወይ ካኣ ኣብ ዓድኻ ክትነብርሉ እትኽእል ውሑስ ከባቢ ኣሎ ኢሎም ኣሚኖም፣ ናይ
ዑቕባ መሰል ኣይዋሃበካን እዩ፡ ፡ ስለዚ ጠለብ ዑቕባኻ ይንጸግ።

እንተዳኣ ጉዳይካ ብ UDI ተነጺጉ ወይ ካኣ መንግስቲ ኖርወይ ናብ ካልእ ኣባል ናይ ዱብሊን
ምትሕግጋዝ ዝኾነት ሃገር ክሰዱኻ ኮይኖም ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ውሳነ ናብ UDI ይግባይ ክትብል እንተ ደሊኻ ዝሕግዘካ ጠበቃ ይዋሃበካ። እንተዳኣ UDI ነቲ
ዉሳነ ዘይቐይሮ እቲ ጉዳይ ናብ ይግባይ ሽማግለ ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታት (UNE) ይሰዶ። UNE
ንናይ UDI ዉሳኔ ይቖጻጸርን ቑኑዕን ዘይቑኑዕን ምኻኑ ይግምግምን።

UDI ንሕቶ ዑቕባኻ ንኸይርአዮ ይዉስን
እንተዳኣ ኣብ ካልእ ውሕስነት ዘለዎ ሃገር ክትነብር ዘኽእል መሰል ሃልዩካ UDI ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ
ኖርወይ ንኽይርአዮ ክነጽጎ ይኽእል። ይግባይ ክትብል መሰል ኣለካ ይኹን እምበር ናጻ ናይ ጠበቓ
ሓገዝ ኣየዋሃበካን እዩ።

ውሳነ ካብ ናይ ይግባይ ሽማግለ ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታት (UNE)
UNE ይግባያት ኣብ ልዐሊ ናይ UDI ውሳኔታት ይርኢ። UNE ናይ UDI ውሳኔ ቀይሩ መንበሪ ፍቓድ
ክህበ ይኽእል ወይ ካኣ ነቲ ይግባይ ክነጽጎ ይኽእል። ምንጻግ ካብ UNE ከም ልምዲ ኣብ ውሽጢ
ዝተወሰነ ግዝየ ዓድኻ ናይ ምምላስ ግደታ ኣለካ ማልት እዩ። ካብ IOM ዓድኻ ንምምላስ ቑጠባዊን
ካልእ ሓገዝን ክትሓትት ትኽእል። እንተዳኣ ብፍቓድካ ዘይተመሊስካ ፖሊስ ናብ ዓድኻ ክመልሰካ
ይኽእል።

IOM – ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት
IOM ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት ኮይኑ ሓደ ኣካል ናይ ሕቡራት ሃገራት እዩ። IOM ንዓዶም
ዝመለሱ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ኣብኡ መንበሪ ፍቓድ ዝለዎም ሓበሬታን ሓገዝን ይህብ።

ብንመገዲ IOM ክትገይሽ ዕለቱ ዘይ ወደቀ ፓስፖርት ወይ ብመንግስቲ ሃገርካ ዘወጸ ናይ መገሺ
ሰነድ ክህልወካ ኣለዎ። እንተዳኣ ዕለቱ ዘይ ወደቀ ፓስፖርት ወይ ናይ መገሺ ሰነድ ዘይብልካ ኾይኑ
IOM ንዓኻ ቀረባ ዝኾነ ኤምባሲ/ቖንስል ሃገርካ ጠለብ ኣብ ምቅራብ ክሕግዘካ ይኽእል።

IOM ናይ ኣየር ትኬት ይኽፍለልካን ገንዘባዊን ትግባራዊን ሓገዛት ኣብ ዓድኻ ክገብረልካ ይኽእል።
እዚ ነቲ መጀመርታ እዋን ናብ ዓድኻ ምስ ተመለስካ ንኩነታትካ ከቅለለልካ ይኽእል።

ብዛዕባ ናብ ዓድኻ ጉዕዞ ብዝምልከት ዘያዳ ሓበሬታ ካብ IOM፤ UDI ወይ ካኣ ካብ ናይ ካምፕ
ሰራሕትኛታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ፡

ካብ NOAS ዘድሊሓበሬታን ምኽርን ክትረክብ መሰል ኣለካ
NOAS ብቋንቃኻ ወይ ካኣ በኻልእ ጽቡቕ ዝርደኣካ ቋንቃ ሓበሬታን ምኽርን ይህበካ። ድሕሪ ኣብ
ኖርወይ ዑቕባ ምሕታትካ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ NOAS ክትራኸብ ኢኻ። ከም ሓታቲ ዑቕባ ዘለካ
መሰላትን ጉቡኣትን ትፈልጥን ከም ኡውን ንናይ ዑቕባ ቓለ መሕተት ዝዳልወካ ሓገዝ ትረክብ።
ከም ኡውን ብዛዕባ ጉዳይካን ኩነታትካን ሕቶታት ክትሓተት ትኽእልን ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ
ዘዳልወካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ NOAS ምስ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስትይቲ ክትዛረብ
ተመርጽ ኴንካ ክትሕብር ትኽእል።

ተርጓማይ ንኽግበረልካ መሰል ኣለካ
ብቋንቃኻ ዝዛረብ ወይ ካልእ ንስኻ ኣጸቢቅካ እትርድኦ ቋንቃ ዝዛረብ ተርጓማይ ክግበረልካ
መሰል ኣለካ። ተርጓማይ ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ምንጎ ቶም ኣብ መስርሕ ዑቕባ ትረኽቦም ኣካላት
ይትርጓምልካ። ተርጓማይ ሚስጢር ናይ ምዕቓብ ሓላፍነት ኣለዎ። እንተዳኣ ንተርጓማይ
ክትርደኦዘይክኣልካ ወይ ብኻልእ መኽንያታት ብመንገዲ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ተርጓማይ ክትገለጽ
ዘይትኽእል እንት ኴንካ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። እንተዳኣ እቲ ተርጓማይ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል
ኣንስትይቲ ክኾነልካ ደሊኻ ንNOAS ወይ ካልኦት ኣብ መስርሕ ዑቕባ ትረኽቦም ክትሕብር ይግባእ።

ናይ ሕክምና ምርካብ መሰል ኣለካ
ኣብ ኖርወይ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ከለኻ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ትሕቲ 16 ዓመት
ዝዕድሚኦም ቕልዑ ብነጻ ክሕከሙ መሰል ኣለዎም። ኩሎም ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ዝተወሰነ
መጠን ገንዝብ ይኸፍሉ። እንተዳኣ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሓገዝ ዘድልየካ ኮይኑ ነቲ ወጻኢታት
ክሽፈነልካ ንUDI ከተምልክት ትኽእል።

ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወይ ሆስቢታል ንኩሎም ሓተቲ ዑቕባ ናይ ዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ምርመራ
ይግበረሎም። እንተዳኣ ናይ ጥዕና ጸገም ኣለካ ወይ ካልእ ናይ ጥዕና ሕቶታት ኣለካ ንሰራሕትኛታት
ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክተዘራርቦም ትኽእል። ንሶም ሚስጢር ናይ ምዕቓብ ግዴታ ኣለዎምን
ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታታት ብዘይ ናትካ ፍቓድ ንኻልኦት ኣይህቡን እዮም።

ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወይ ሆስቢታል ቕድሚ ሕጂ ክትባት ዘይወሰዱ ቖልዑት ክትባት ይህብ::.

ቖልዑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ መሰል አለዎም
ዕድሚኦም ካብ 6 – 16 ዓመት ዝኾኑ ቖልዑት ኣብ ኖርወይ ካብ 3 ወርሒ ንላዕሊ እንተዳኣ
ዝቕመጡ ኮይኖም ናብ ቤት ትምህርቲ ክኽዱ መሰልን ጉብእን ኣለዎም። ካብ 16 – 18
ዝዕድሚኦም ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዝረከቡ ቖልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽማሃሩ ንኽፍቐደሎም
ከመልክቱ ይኽእሉ።

ኣብ ናይ መዕቖቢ ስደተኛታት ክትጸንሕ መሰል ኣለካ
ኣብ ናይ መዕቖቢ ስደተኛታት ምጽናሕ ብናጻን ኣብ ድልየት እተሞርኮሰን እዩ ፡ ፡ ይኹን እምበር ኣብ
ኣየናይ ናይ መዕቖቢ ስደተኛታት ክትጸንሕ ከምዘለካ ዝውስኖ ኣካል UDI እዩ ፡ ፡ እንተድ ኣ ኣብዚ
ናይ ኣመዳድባ ብዝምልከት ፍልይ ዝበለ ድልየት ሃልይካ ምስ ኑኣስ (NOAS) ክትዘራረብ ከለኻ
ክትሕብር ትኽእል ወይ ካኣ ንእቶም ናይ ካምፕ ሰራሕተኛታት ክትሕበር ትኽእል እኻ፡ ፡

እንተዳኣ ጨርስካ ኣብ ናይ መዕቖቢ ስደተኛታት ክትጽንሕ ዘይትደሊ ኾንካ እቲ ትቕመጠሉ ማለት
ትነብረሉ ኣድራሻ ን UDI ክትሕብር ኣለካ፡ ፡ እንተዳኣ ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ወጻኢንኣብነት
ምስ ቤተሰባካ ወይ ምስ ኣዕሩኽትኻ ወዘተ. ኣብ ውሽጢ ኖርወይ ትቕመጥ ኮንካ ብኣጠቓላሊ ናይ
ገንዘብ ሓገዝ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ፡

ዑቕባ ሓታቲ ከለኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ መሰል ኣለካ
ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ኣብ መስርሕ ከሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክዋሃበካ ከተመልክት ትኽእል።
ይኹን እምበር ከም ልሙድ ፓስፖርትኻ ዘረከብካ ክትከዉን ኣለካ። እንትዳኣ ጉዳይካ ብናይ
ዱብሊን መምረሒ መሰረት ተታሒዙ ኣሎ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣይወሃበካን እዩ።

እንተ ተነጺግካ ናይ ይግባይን ናይ ጠበቓ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ
ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ እንተዳኣ ተነጺጉ ወይ ካኣ UDI ብናይ ዱብሊን መምረሒ መሰረት ናብ ካልእ
ኤውሮፓዊት ሃገር ክትምለስ ወሲኑ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለካ:: ጠበቓ ይመደበልካን
ንምንታይ ከምዝተነጸካን UDI ኣብ ጉዳይካ እንታ ዓይነት ገምጋም ከም ዝገበረተን የብራሃልካ። ነቲ
ጠበቓ ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ፡ ፡

እንተደኣ ይግባይ ክትብል ደሊኻ እቲ ጠበቓ ነቲ ይግባይ ጽሒፉ ከም ኡዉን ኣብ ጉዳይካ ክትሰዶ
ትደሊ ሓደሽቲ ሓበሬታታትን ሰነዳትን ኣብ ምስዳድ ይሕግዘካ። እንተዳኣ እቲ ጠበቓ ወዲ ተባዕታይ
ወይ ጓል ኣንስትይቲ ክኾነልካ ደሊኻ ንNOAS ወይ ካልኦት ኣብ መስርሕ ዑቕባ ትረኽቦም ክትሕብር
ትኽእል።

ምትእኽኻብ ስድራቤት
ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ እንተዳኣ ተዋሂቡካ፤ ብዓልቲ ብትካ/ቤትኪን ትሕቲ 18 ዓመት
ዝዕድሚኦም ቖልዑ ኣብ ኖርወይ ምሳኻ/ኺ ክነብሩ መሰል አለዎም። እንተዳኣ ናይ ስደተኛትታ
መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣብ ዉሽጢ 6 ወርሒ ከመልክቱ ኣለዎም።

መንነትካ ኣብ ምርግጋጽ ናይ ምትሕብባር ግዴታ ኣለካ
መን ምኻዃንካን ካበይ ከምዝመጻእካን ክትሕብር ግዴታ ኣለካ። መንነትካ ዘረጋግጽ ሰነዳት
እንተዳኣ ምሳኻ ኣሎ ወይ ክተምጽኦ ትኽእል ኴንካ ብዝቅልጠፈ ግዜ ንፖሊስ ኣረክቦ።

ቑኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለካ
UDI ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ዝግምግመሉ እዋን እቲ እስኻ ትህቦ ሓበሬታ ኣገዳሲ እዩ። እንትዳኣ
ኮነ ኢልካ ዘይቑኑዕ ሓበሬታ ሂብካ ምኽንያት ምንጻግን ምስጓግን ክኸውን ይኽእል። ምስጓግ ማለት
ካብ ኖርወይ ክትወጽእን ከም ኡዉን ምናልባሽ ናብ ኖርወይ ይኹን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ
ንምእታው ንዝተወሰነ ገደብ ግዜ ኣይፍቀደልካን።

እንተዳኣ ዘይቑንዕ ሓበሬታ ከምዝሃብካ መንግስቲ ኖርወይ ፈሊጡ ንዝተዋህበ መንበሪ ፍቓድ
ክስሕቦ ወይ ክሰርዞ ይኽእ እዮ።

እንተዳኣ ካብ መዕቖቢ ስደተኛትታ ወጻኢ ክትቕመጥ ደሊኻ እቲ ሓድሽ
ኣድራሻ ክትህብ ግዴታ ኣለካ፡ ፡
እንትዳኣ ዘይሓርበካ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኻ ከይተገምገመ ከሎ ክዕጾ ይኽእል፡ ፡

ናይ ኖርወይ ሕጊ ከተኽብር ኣለካ
ናይ ኖርወይ ሕጊ እንተዳኣ ጥሒስካ ካብ ኖርወይ ክትስጎግ ትኽእል። እዚ ማለት ናብ ኖርወይ ይኹን
ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ንምእታው ትኽልከል። እንተደኣ ገበናዊ ተግባራት ፈጺምካ ጉዳይ
ሕቶ ዑቕባኻ በቀልጡፈ ይርአን ናይ ዑቕባ መሰል ዘይብልካ እንተ ኾይኑ ካብ ኖርወይ ንዓድኻ
ከምትምለስ ይግበር።

እንተዳኣ ናይ መጨርሻታ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ኣብ ጠለብ ዑቕባኻ ኣለካ
ካብ ኖርወይ ክትወጽእ ግዴታ ኣለካ
እንተዳኣ ናይ መጨርሻታ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ኣብ ጠለብ ዑቕባኻ ወሲድካ በቲ ብፖለስ ዝተወሰነ
ገደብ ግዜ መሰርት ካብ ኖርወይ ክትወጽእ ኣለካ። ድሕሪ እቲ ገደብ ግዜ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ
ፍቃድ የብልካን፣ ብፖሊስ ተታሒዝካ ንዓድኻ ክትምለስ ትኽእል፡ ፡

ሕቶ ዑቕባኻ ናይ ምስሓብ ትኽእሎ ኣለካ
ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንመስረሕ ጠለብ ዑቕባኻ ጠጠው ኣቢልካ ክትስሕቦ ትኽእል። ዓድኻ
ክትምለስ እንተ ደሊኻ ገንዘባውን ካልእ ሓገዘን ካብ IOM ክትሓትት ትኽእል፡ ፡

መንግስታዊ፡

ፖሊስ ጨንፈር ጉዳይ ወጻእተኛታት
(Politiets utlendingsenhet)
ኣድራሻ ፖስታ: Postboks 2095 Vika, 0125 Oslo
ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት: Økernveien 11-13, 0653 Oslo
ቑጽሪ ቴለፎን: 22 34 24 00
www.politiet.no

ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን/ጉዳይ
ወጻእተኛታት (Utlendingsdirektoratet/UDI)
ኣድራሻ ፖስታ: Postboks 2095 Vika, 0125 Oslo
ቑጽሪ ቴለፎን: 22 35 16 00
www.udi.no

ናይ ይግባይ ሽማግለ ኣብ ጉዳይ
ወጻእተኛታት (Utlendingsnemda/UNE)
ኣድራሻ ፖስታ: Utlendingsnemda, Postboks 2108 Vika, 0125 Oslo
ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት: Stenersgt. 1B/C, 0034 Oslo
ቑጽሪ ቴለፎን: 21 08 50 00
www.une.no

ክኢላታት ሰብሞያ ኣንጻር ግዴታዊ መውስቦ
(መርዓ)ን ምጉዳል ጾታዊ ኣካል ጓልንስተይቲን
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ኩነታት ግዳይ እንተኾንካ
ወይ ጎነጽ ብሰንኪ ናይ ስድራቤት ክብሪ
እንተጋጢሙካ ክሕግዝ ዝኽእል ኣካል እዩ።
ቑጽሪ ቴለፎን: 478 09 050
E-post: kompetanseteamet@bufdir.no

ማሕበራት

ኖርዌጃዊ ማሕበር ንሓተቲ ዑቕባ (NOAS)
ሓበሬታን ምኽርን ከም ኡውን ነጻ ናይ ሕጊ
ሓገዝን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ይህብ።
www.noas.no ክልተ ጬናፍር ኣለዎ፡

ክፍሊ ሓበሬታን ምኽርን ኣብ NOAS
ንሓደስቲ ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣድራሻ:
Ankomstsenter Østfold, Mosseveien 58,
1640 Råde
e-post: noasinfo@noas.org

ክፍሊ ሕጋዊ ሓገዘን ምኽርን ኣብ NOAS፣
ኣብ ጉዳያት ምንጻግን ጠለብ ዑቕባ፣ ጥርናፈ
ስድራቤት ሓገዘ ይህብ፡ ኣድራሻ ቤት ጽሕፈትን
ፖስታን: Torggt.22, 0183 Oslo
e-post: post@noas.org

ኖርዌጃዊ ቐይሕ መስቐል ኣብ ምድላይ
ዝጠፍኡ ሰባት ዝንቐሳቕስ ክፍሊ ኖርዌጃዊ
ቐይሕ መስቐል ኣብ ምድላይ ዝጠፍኡ ሰባት
ዝንቐሳቕስ ክፍሊብሰንኪ ኩናት፤ ግርጭት፡
ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ወይ ስደት ርክባት ንዘጥፈኡ
ሰባት ዳግማይ ንክራኸቡ ይተሓጋገዝ
ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት: Hausmannsgt. 7,
0186 Oslo
ቑጽሪ ቴለፎን: 22 05 40 00
E-post: tracing@redcross.no
www.rodekors.no/tilbudene/oppsporingstjenesten/

ሰይፍ (SEIF)
ኣብ ጉዳያት ጥርናፈ ስድራቤት፣ ዓመጽ ኣብ
ቐረባ ቤትሰብ፣ ትምህርቲ ወይ ካኣ ናይስራሕ
ጉዳያት ተግባራዊን ሕጋዊ ሓገዛትን ይህብ ኣብ
ኦስሎ፣ ክርስቲያንሳንድ፣ ስታቫንገር፣ ኦለሱንድን
ትሮንድሃይምን ይረክብ
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ርኤ: www.seif.no

ዮስቡስ (Jussbuss)
ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ኣብ ዘተፈላለዩ ጉዳያት ከም
ጥርናፌ ስድራቤት ወይ ምስጓግን ካልእን ይህብ
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ርኤ: www.jussbuss.no

ሻይቭ ቭርድን (Skeiv verden)
ናይ መራኸቢ መርበብን ተግባራዊ ሓገዛትን
ንግበርሶዶማውያን፣ ወይ ድማ ጾታኦም ዝቐየሩ
ሰባት (LHBTI) ሓተቲ ዑቕባን ብቁጽሮም አብ
ዓዶም ውሑዳት ዝኾኑ ዓሌታት ድጋፍ ይህብ
ኣድራሻ፡ Torggata 1, 0181 Oslo
ቑጽሪ ቴለፎን፡ 23 21 45 98 / 950 93 293
E-post: post@skeivverden.no
www.skeivverden.no

ሩዛ (ROSA)
ንግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሓገዝ
ይገብር
ኣድራሻ፡ Karl Johans gate 16B, 0154 Oslo
Tlf. 22 33 11 60

ዓለምለኻዊ ማሕበር ፍልሰት (IOM)
ብወለንታ ናብ ዓድኻ ምምላስ ዝምልከት
ምኽርን ሓገዝን ይህብ ኣድራሻ ፖስታን፡
Postboks 8927 Youngstorget, 0028 Oslo
ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት: Skippergata 33, 0154
Oslo
E- post: iomoslo@iom.int
ቑጽሪ ቴለፎን:23 10 53 20
Faks: 23 10 53 23
www.iom.no